Eritrean P.F.D.J Assembly in Milan

0
735

31/10/2016
ጉባኤ ህ.ግ.ደ.ፍ. ን/ጨ ሚላኖ

ሰንበት 30/10/2016 ኣብ ሚላኖ ዕውት ጉባኤ ህ.ግ.ደ.ፍ. ጨንፈር ሚላኖ ተኻይዱ።
ኣቦ ወንበር ህ.ግ.ደ.ፍ ን/ጨ ሚላኖ ብዝኽሪ ስውኣት ድሕሪ ከፊቱ: ሓፈሻዊ ኩነታት ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓመታት ዝተዓመመን ስራሕ ገሊጹ : ቀጺሉ ዋና ጽሓፊ ዝርዝር ናይቲ ኹሉ ዝተኻየደ ንጥፈታትን: ጽፉፍ ጸብጻብ ናይ ኣታውን ወጻእን ማሕበር ኣቕሪቡ።
ኣኼበኛታት ካብ ዝቐረበ ጸብጻብ ሰፊሕ ክትዕ ዘተን ድሕሪ ምክያድ ካብ ተመክሮታት ብምምሃር ሕጽረታትን ጉድለታትን ብምእራም እቲ ማሕበር ምእንቲ ዝያዳ ክሕይልን ክድንፍዕን እቲ ዕማም ነቶም ዝምረጹ ኣካየድቲ ጥራይ ከይተገድፈ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓላፍነቱ ፈሊጡ ተኻፋልነቱ ክውስኽን ሓደስቲ ኣባላት ኣብ ምውዳብን: ካብ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኣስተምህሮ ንቕሓት ብዙሓት ኣባላት ንኽካፈሉዎን: ኣባላት ኣብ ኩሉ ውድባዊ ጉዳያት ተገዳስነቶም ከዕብዩን ተሰማሚዕም።
ቀጺሉ እቲ ጉባኤ ንክልተ ዓመት እተገልግል ብሓሙሽተ ኣባልትን ሓደ ተጠባባቒቕን ዘለዋ ሓዳስ ኣካያዲት ሽማግለ መሪጹ።
ኣብ መጨረሽታ እቲ ኣኼበኛ ብዘይ ሃገር ክብረት ስለ ዘየለ ብጸላእቲ ዝግበር ኩሉ ተጻብኦታት ንምፍሻል: ሓድነትና ኣጽኒዕና ኣገባብ ኣሰራርሓና ኣማዕቢልና ውዳቤና ብምሕያል ኣብ ጎድኒ መንግስትናን ሓይልታት ምክልኻሉን ኮንና ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሃገር ኣብ ምውሓስን ልምዓትን ቃልስናን መኸተናን ብዝልዓለ ከምዝቕጽልዎ መብጽዕኦም ብምሕዳስ: ጉባኤኡም ብዓወት ዛዚሞም።

ዓወት ሓፋሽ
መድያ ኮሚቴ ኢጣልያ
Mediacomunitàeritrea.it

20161030_182549

OLYMPUS DIGITAL CAMERA

OLYMPUS DIGITAL CAMERA

20161030_19244820161030_184611

OLYMPUS DIGITAL CAMERA

OLYMPUS DIGITAL CAMERA

OLYMPUS DIGITAL CAMERA

img_3143 20161030_182549 20161030_184611 img-20161030-wa0001 img-20161030-wa0000

LEAVE A REPLY