Eritrean Youth In Milan Y.P.F.D.J. Congress 05-02-2017

0
483

 

 

 

20170205_175322 20170205_163407 20170205_163419 20170205_175307 20170205_175322 20170205_183505 20170205_185542 20170205_185832 IMG_3343 IMG_3348 IMG_3352

OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA

20170205_185537 ypfdy milano22

 

መንእሰያት ህግደፍ ን/ጨንፈር ሚላኖ    ብዕለት 05/02/2017 ዓመታዊ ጉባኤኦም ኣካይዶም።

 

ኣብዚ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣደ መንበር መ/ህግደፍ ኢጣልያ መንእሰይ ራሄል ስዩም: ንኣቓውማን ኣወዳድባን ዕላማታት YPFDJ ኣብ ኢጣልያን ኣብ ኤውሮጳን ንተኻፈልቲ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪባ። ቀጺላ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብደረጃ ኢጣልያ ዝተዓመሙ መደባት ኣብ ዝተፈላለያ ቻፕተራት ዝተሰርሑ ምዕባላታትን ዝነበሩ ድኻመታትን ብዝርዝር ብምብራህ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢጣልያ ዝተኻየደ ዕዉት መበል 12 ዋዕላ ናይ YPFDJ ኤውሮጳ ብጽፈትን ብዘይ ዕዳን ምዝዛሙ: ኣብ ኢጣልያ ዓበይቲ መደባት ክትግብር ዝኽእል ዑቑር ሓይሊ ናይ መንእሰያት ከም ዘሎ ዘመስከረሉ ህሞት ከም ዝነበረ: ሎሚ ውን ኣውዳድባናን ኣሰራርሓናን ብምሕያል ነዚ ኣብ ከባቢና ዘሎ መንእሰይ ክንውድቦን ኣብ ሕቑፍና ከነእትዎን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ  ብምባል ጻውዒት ብምቕራብ  ውድብ መ/ህግደፍ ዝሰርሓሎም  መምርሕታት BYLAWS መብርሂ ሂባ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክትመርሕ ዝጸንሐት ኣ/ኣካል ናይ 2 ዓመት ዝተኻየደ ጸብጻብ ስራሕ ድሕሪ ምቕራብ ንዝመጽእ 2 ዓመታት እትመርሕ 7 ኣባላት ዘለውዋ ሓዳስ ሽማግለ ተመሪጻ።

ኣብዚ ጉባኤ ዝተረኽበ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣብ ኢጣልያን: ኣካየድቲ ኣካላት ህግደፍ ሚላኖን: ንመንእሰያት ኣብ ምውርራስ ኣብ ዝግበር ኩሉ መዳያት ኩሉ ዘድሊ ደገፋት ኣብ ምግባር ኣብ ጎድኖም ደው ከም ዝብሉ ኣረጋጊጾምሎም። እቶም ዝተመርጹ ሓደስቲ ኣካየድቲ ኣካላት ናይ ስራሕ ምቅሊት ድሕሪ ምግባሮም  ንመደባት YPFDJ  ንምሕያል ኣብርቲዖም  ከም ዝሰርሑ  ቃል ኣትዮም።

 

                                            ሜድያ ኮሙኒታ- ኢጣልያ     

                                                                      Mediacomunitaeritrea.it

LEAVE A REPLY