Tigrigna

ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ 2016

ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ፣ ብዕለት 8-9 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ከተማ ሮማ፣ ኣብ ኣዳራሽ PALA-CAVICCHI (ከባቢ Ciampino) ኣስታት 700 ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ብድምቀትን  ብውዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒትን ተጸምቢሉ።

ኣብ’ቲ ጽምብል፣ ሚኒስተር ጉዳያት ውጻኢ ሃገር ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ኣምባሳደራት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ፣ ኣቶ ፍሰሃጽዮን ጴጥሮስ፣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓዕሩኽ ኤርትራ ዜጋታት ኢጣልያን ጋዜጠኛታትን ተረኺቦም።

ኣብ ዕለት 8 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ቅ.ቀ. ሚኒስተር ዑስማን ነቲ ጽምብል ብወግዒ ኣብ ዝኸፈተሉ ኣጋጣሚ፣ ክልተ ህጻናት ጥሙር ዕምባባ ኣረኪቦሞ። ኣዴታት ብዕልልታ ኣቦታትን ብዋልታ ከኣ፣ ነቲ ብኤርትራዊ ስልማት ዝገጸ ኣዳራሽ ዝያዳ ኮሊዖሞ።

ኣቦ-መንበር ኣሰናዳኢ ኮሚተ ፈስቲቫል 2016፣ ኣቶ ዑቕባይ ፍረመድህን ብወገኑ፣ “ፍስቲቫልና፣ ኣብ ውሽጢ ብሩራዊ ኢየበልዩ ናጽነት ኤርትራን ናይ ርብዒ ዘመን መኸተን ልምዓትን ነካይዶ ብምህላውና፣ ፍሉይ ድምቀት ኣለዎ” ኢሉ።

ስዒቡ ኣብ ሰዓታት ድ.ቀ. ሚኒስተር ዑስማን፣ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ቁጣባውን ማሕበራውን ዘተኰረ ሰፊሕ ሰሚናር ኣካይዱ። ኣብቲ ንክልተ ሰዓታት ዝቐጸለ ዝርዝራዊ መግለጺኡ፣ ኣብ ዝሓለፋ 18 ዓመታት፣ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ንምንጻልን ንምምብርካኽን ዝዓላማኦም፣ ወራርን ብኣህጉኣዊ መትከላትን ሕግታን ዘይምምእዛዝ ጭፍራ ወያነ፤ ኣመሪካን መሻርኽቲ ሃገራት ኤውርጳን ዝሳወርዎ ውዲትን ተጻብኦን፤ ዝተበየኑ ፖለቲካ ዝደረኾም መርትዖ-ኣልቦ እገዳታት ሕቡራት ሃገራት (ሕ.ሃ.)፣ ሳላ ሓያልን ውሁድን መኸተ መንግስትን ህዝብን ከም ዝፈሸሉ ኣነጺሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ከምኡውን ምስ ብርክት ዝበላ ኣባላት እቲ ሕብረት፣ ርክባት ብምካያድ ክልቲኣዊ ዝምድናታት ናብ ዝሓሸ ኣንፈት የምርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ዜጋታት ብወገኖም፣ ክንዮ ዘጋጥሙ ብድሃታት ብምጥማት፣ ሕጂ’ውን ከም ወትሩ፣ መኸተኦም ከሐይሉን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ልምዓት መደባት ብንቕሓት ብምክትታል፣ ኣበርክቶኦም ከበርኹን ተላብዩ። ኣብ መደምደምታ፣ ኣብ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቀረበሉ ሕቶታት፣ ምሉእን ኣዕጋብን መልሲ ሂቡ።

ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ 2016 ብባህላዊ ምርኢትን ብዝተፈላለዩ ንጥፈታት (መደባት ህጻነት፣ ልብሳዊ፣ ስፖርታዊ፣ ጽሑፍን ስእላዊ ምርኢትን) ደሚቑን ማዕሪጉን ቀንዩ።

ሮማ 11.10.2016 ኣሰናዳኢ ኮሚተ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ 2016

ዓወት ንሓፋሽ!!