ANUAL CONGRESS N.U.E.W in Italy

0
1713

img_3161

 

 

 

 

ዓመታዊ ገምጋም ሃማደኤ ጨንፈር ኢጣልያ

 

ካብ 12 ከተማታት ኢጣልያ (ካታንያ – ባሪ – ናፖሊ – ቴራሞ – ፔስካራ – ሮማ – ፊረንሰ – ቦሎኛ – ፓርማ – ሚላኖ – ብረሻ) ዝተኣከባ ኣካየድቲ ኣካላት ሃማደኤ ጨንፈር ኢጣልያ ሰንበት 13/11/ 2016 ኣብ ከተማ ሚላኖ ዓመታዊ ስራሕ ገምጋም ኣካይደን።

ኣብ መእተዊ ኣደመንበር ሃማደኤ ዞባ ኤውሮጳ ወ/ሮ ንግስቲ ጸጋይ: ንኹሎም ተኻፈልቲ እንቓዕ ብድሓን መጻኹም ብምባል ዛዕባን መደብ ስራሕን ድሕሪ ምግላጽ ንኣምባሳደር ፍስሓጽየን ህሉው እዋናዊ ኩነታት ንኸብርሃለን ኣብ መድርኽ ዓዲማቶ። ኣምባ/ ፍስሓጼን ጴጥሮስ ንተራ ሃማደኤን ኣዴታት ኢጣልያ ኣብ ቓልሲ ብምዝካርን ብምምጋስን ድሕሪ ምምስጋኑ: ብሕጽር ዝበለ ኣብ ልምዓታውን ዲፕሎማስያን መዳያት ዘተኮረ መግለጺ ኣቕሪቡ: ቀጺሉ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ ዘይፍትሓዊ እገዳ መታን ከይልዓልን ኤርትራ ንእተካይዶ ዘላ ናይ ልምዓት መደባት ንምትዕንቓፍን ብጉልባብ ሰብኣዊ መሰላት ዝካየድ ዘየዕርፍ ተጻብኦ ሳላ ሓያል መኸተ ህዝብን መንግስትን: ዕርቓኑ እንተቐልዐ እናተሳዕርን ይኸይድ ከም ዘሎ ምስ ኣብነታቱ ኣብሪሁ።

ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣብ ኢጣልያ ኣቶ ግርማይ ሃብተሚካኤል ውድብ ሃማደኤ ዝሓየለ ዝተረረን ዓንዲ ናይ ሃገርና ስለ ዝኾነ: ብፍላይ ከኣ ኣዴታት ኢጣልያ ከም ቀደምክን ተሪርክንን ተዋሃሂድክንን መኸተኽን ክትቅጽላን ነተን ኣብ ሃማደኤ ዝተወድባ ኣባላትክን ንሃማደኤ ዝፈጠረን ዘሐየለን ውድብ ህዝባዊ ግንባር ምኻኑ የእሚንክን ኣረዲኢኽንን ኣብ ህዝባዊ ግንባር ንኽውደባ ተካእትኽን መንእሰያት ክትውድባን ከተተባብዓን  ናይ ኩሉኽን ሓላፍነት ኢዩ ብምባል ጽቡቕ ናይ ስራሕ ምንዮቱ ተመንዩለን። ኣብ ሚላኖ ዘለዉ ኣካየድቲ ካልኦት ውዱባትና ውን ናይ ጽቡቕ ስራሕ ምንዮት ገሊጾምለን።

ቀጺሉ ዓመታዊ ጸብጻብ ናይ ኩለን ከተማታት ቀሪቡ: ኣገዳሲ ክትዕን ገምጋምን ተገይሩሉ:  ኣብ ከተማ ከረን ዝተሃንጸ መሰልጠኒ ደቀንስትዮ ዕድኡ ክሳብ ዝዓጹ ዝተፈላለየ መደባት እናዳለዋ ብዝልዓለ ንምዕዋቱ ክንቀሳቐሳ ቃል ኣትየን። ኣብ መጨረሽታ ኣምባ/ፍስሓጼዮን ነቲ ዝተኻየደ ሃናጽን ክትዕ ብምምጋስ: ኣገዳሲ ምኽርን ምትብባዕን ብምቕራብ ብዓወት ተዛዚሙ።

ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብዙሓት ደቀንስትዮ ነበርቲ ሚላኖ ዝተኻፈልኦ  ብኣደመንበር ሃማደኤ ኤውሮጳ ብ/ቲ ንግስቲ ጸጋይ ንጾታዊ ማዕርነትን ቃልሲ ደቀንስትዮ ኤርትራን ዝገልጽ ሰፊሕ ሰሚናር ኣካይዳ። ከም ቀደመን ኣብ ጎድኒ መንግስተን ኮይነን ሃገር ኣብ ምውሓስን ኣብ ልምዓትን ብዝበርትዐ ክምክታን ክቓለሳን ብምውሳን ብዓወት ዛዚመን።

 

                                              ዓወት ንሓፋሽ !!                                                                

                                                                  ሜድያ ኮሙኒታ ኢጣልያ  

20161113_093036

OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA
OLYMPUS DIGITAL CAMERA

 

 

LEAVE A REPLY